ናብ ትሕዝቶ ኪድ

ብዛዕባ ኣኽሊሉ

ከይተመሃርኩ ትካል ከፊተ፡ ገንዘበይ ከሲረ።

እቲ ተመክሮ ንትካል ምኽፋት ዝርእየሉ መገዲ ቀይሩለይ። ሕጂ ዝተመሃርክዎ ብቋንቋና እምህር ኣለኹ።

ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል ተኽለ

ታሪኸይ

ስለምንታይ እምህር

  1. 2013ብዘይ መደብ ወፊረ ከሲረ
  2. ዓባይ ብሪጣንያማስተርስ ዲግሪ ብምሕደራ ፕሮጀክት
  3. ካምፓላBuilt Train Up Institute and Aklilu Habtemichael YouTube Channel

ኣብ 2013 ካብ ደቡብ ሱዳን ልዕሊ ዓመት ሰሪሐ ዘዋህለልክዎ ገንዘብ ሒዘ ንዩጋንዳ መጺአ፡ ምስ ሓደ ዓርከይ ትካል ከፊትና። ዝኾነ ፍልጠት ወይ ናይ ወፍሪ መደብ ኣይነበረናን፡ እቲ ዓይነት ወፍሪ ድማ ዝኽእሎ ወይ ዝፈትዎ ዓይነት ስራሕ ኣይነበረን። ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ገንዘብ ጠፍአ። ናብ ደቡብ ሱዳን ተመሊሰ ከኣ እንደገና ተቖጺረ ክሰርሕ ጀሚረ።

እምብኣር ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ትምህርቲ እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝኸሰርክዎ ገንዘብ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ኣጋጣሚ ደጊም ኣብ ዘይፈልጦ ወፍሪ ከየውፍር፡ ንዝፈልጦ ኩሉ ከኣ ንህዝብና ብትግርኛ ከካፍል ወሲነ።

ካብኡ ጀሚረ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከም ፕሮጀክት ማናጀር ኮይነ ሰሪሐ’የ። ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ማስተርስ ዲግሪ ኣብ ምሕደራ ፕሮጀክት ወዲአ፡ ካብ ካምፓላ ድማ Train Up Institute ን Aklilu Habtemichael YouTube Channel ን መስሪተ።

ኣብዚ ዘለዉ ስልጠናታት ንኩሉ ዝተመሃርኩዎ፡ ዝመሃርኩዎ ኮነ ዝሰራሕኩዎ ዝተጋገኹዎ ዝተሃንጸ’ዩ።

ብኸመይ ይዓቢ?

ግብራዊ ትምህርቲ፡ ብቋንቋኻ

Train Up Institute

ብነጻ ብምምሃር ጀሚረ፡ ድሕሪኡ ኣብ ካፈታትን ኣብ ቤት ጽሕፈታትን። እቲ ስራሕ ኣብ ካምፓላ ናብ ማእከል ስልጠና ዓብዩ ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣማኢት ሰባት ዘሰልጥን ማእከል ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ግብሪ ተውዕሎ ትምህርቲ

ካብ ትምህርቲ፡ ተመክሮን ጌጋታትን ተበጊሰ ብንጹር ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እተውዕሎ ሕሰብ።

ኣብዚ ርኢኹምኒ ትፈልጡ ኢኹም

  • BBC News Tigrinya Services logoBBC News Tigrinya Services
  • BBC World News logoBBC World News
  • NBS logoNBS
  • Voice of America logoVoice of America

Essential storage supports sign-in and course access. Optional analytics helps us understand page visits and traffic sources using a browser identifier, without names or emails. You can change your choice in the footer. Read the Privacy Policy.